ሓሙሽተ ኣሕዋተይ ካብ ዝወፈርዎ ኣይተመለሱን
ኣብ ማእኸል ከተማ ካምፓላ፡ ምስ ትኪ እናተቓለሰት መጠቓ ትምጥቕ ኣላ። ነቲ ፀረር ዝብል ዘሎ ንብዓታ ሪኢኻ ናይቲ ትኪ ድዩስ ዋላስ ናይ ሓዘን ምግማት ከቢድ እዩ። ፀገም ናብራ እንተኾነ ገና ብህፃና እያ ለሚዳቶ። ሰናይት ደስ ዝብል ፍሽኽታኣ ርእዩ ብርሑቕ ንዝዕዘባ፡ ይትረፍ እዚ ገበታ ፀገም ኣብ እንግድዓ ተሰኪማ ትከይድ እያ ኢሉ ክሓስብ፡ ማዕልታዊ ህይወታ ብሓጎስን ፌስታን ዝተመልአ እዩ ዝመስሎ። ቅርብ ምስ እትብላ ግን ንምእማኑ እውን ዘፀግም ንእዝኒ ኣደንፅዩ ልብኻ ዝተናኽፍ መንነታ እዩ ኮፍ ኢሉ ዝረአየካ። ውሽጣዊ መንነት እዛ ንእስቲ ነቲ ብደገ ሪኢኻ ትፈርዶ ሓቅታት ዘፍርስ ስለዝኮነ፡ ለካ ኩሉ ዝስሕቕን ዝፃወትንስ ኩሉ ሕጉስ ኣይኮነን።ለካ ኩሉ ፀገሙ ተፃዊሩ ፍሽኽ ዝብልሲ ከምዚ ጉንዲ ብፍልሖ ተበሊዑ ዝወድቕ፡ ውሽጣ ውሽጡ ብጓህን ጣዕሳን ዝተበልዐ እዩ ንክትብል ኢኻ ትግደድ። ድሕሪ ድሙቅ ፍሽኽታ ግን ገሊህካ ዘይውዳእ ድባብ ሓዘን ቀንጢጥካ ዘይሃልቕ ፀልማት ኣሎ።ሰባት በይኖም ዝነብዕዎ በይኖም ዝሳቐይዎ ናይ ስቓይ ሰንሰለት።
ከምቲ እቲ ገጣሚ፣
“ናይ ኩላና ምድሪ ናይ ኩላና ሰማይ
ናይ በይንና መዓት ናይ በይንና ስቓይ” ዝበሎ። በቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ስቓይን መከራን ፡ኣብ ዘይፈልጦ ዓዘቕትን ቁስለትን ዘይኣተወ ትግራዋይ ዳርጋ የለን እኳ ተበልና ናይዛ ንእስቲ ስቓይን ቁስልን ግን ልዕሊ እቲ ትግምቶን ትሓስቦን እዩ።
ህይወት ንዓኺ እንታይ እዩ ኢልካ ምስ እትሓትታ “ህይወት ማለት ናይ ቃንዛን ሕማምን መድርኽ እያ።” ኢላ ምመለሰት ኔራ። ስለምንታይ ዝብል ሕቶ፡ ቃንዛን ሕማምን ኣብ ልዕሊ ንኡሳት፡ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ኣቦታት ኮታስ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ትግራዋይ ወሪዱ እዩ። ምድሪ ናይ ኩልና እንከላ፡ ግን መዐንደሪ ታንክን መዳፍዓትን ኮይና ከም ዕንቊ ፀቢባትና።ሰማይ ናይ ሓባር እንከሎ፡ ሰማይ ትግራይ ግን መሳወሪ ሓውን መርዛም ጋዝን ኮይኑ። ብርሃን ንኩሉ እንትውሃብ፡ ፀሓይ ትግራይ ግን ኣብ ዘይሰዓታ ዓሪባ፡ ፀልማት ነጊሱ ሱር ፀገማት ተረቢቡ። በቲ ዘጋጠመ ሕሱም ኲናት፡ ሚልዮናት ተጋሩ ሙውቕ ገዝኦም ራሕሪሖም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንክመዛበሉ ተገዲዶም። ነዚ ስዒቡ ዩጋንዳ ካብተን ተጋሩ ዘዕቖብለን ጎረቤት ሃገር ሓንቲ ኾይና። ካብዞም ናይዚ ሕሱም ናብራ ስደት ተኻፈልቲ ሓንቲ ዝኮነት ትግራወይቲ ንእስቲ ሰናይት ዘጋጠማ መሪር ሓዘንን ኣብ ዩጋንዳ ተሕልፎ ዘላ ሕሱም ናብራ ስደትን ድማ ከምዝስዕብ ብኣንደበታ ትገልፅ።
“ስመይ ሰናይት ካሕሳይ ሓድጉ ይበሃል። ኣብ ትግራይ እየ ተወሊደ ዓብዬ። ገና ጓል ትሻዓተ ዓመት እናሃለኹ ዝፈትዋ ወላዲተይ ብሞት ስለዝተፈለየትኒ ኩነታት ኣተዓባብያይ ኣዝዩ ከቢድን ፈታኒን ነይሩ። ንኣሕዋተይ ክብል ገና ኣብ ዕድመ ንእስነተይ እንከለኹ እየ ካብ ዝፈትዎ ትምህርተይ ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ኣቋሪፀ፡ ሓላፍነት ኣዶነት ተሸኪመ እንጀራ እናሰንከትኩ፡ ናይ ሰብ ሆቴላት ዓራት እናንጸፍኩ፡ ኣብ ፎቖዶ ጎረባብቲ እናዘርኩ፡ ንሳላሳ ኪሎ ሕሩጭ ብ15 ቅርሺ ቅጫ መጠቓ እናመጠቕኩ ኣሕዋተይ ምዕባይ ጀሚረ። ድሕሪ ሞት ወላዲተይ ህይወት ከቢድ እዩ ነይሩ። ኣይኮነን ዶ መሓዙተይ ዝገብረኦ ክገብር፡ ክሕንቅቕስ ይትረፍ፡ እቲ ናይ መዓልቲ ናፅነት ዝብሃል ጓል ኣንስተይቲ ትፃወተሉ ብዓል ኣሸንዳ እኳስ ከም ጓል ኣኽቢረ ኣይፈልጥን።እቱይ ምንታይ፡ንኣሕዋተይ ከናዲ ክብል ኣርክቦ ግዜ እውን ኣይነበረንን።
ደስ ዝብለኒ ዝነበረ፡ ኣሕዋተይ ምእዙዛት እዮም ኔሮም። ኣብ ገዛና ናይ ጓልን ወድን ዝብሃል ስራሕ ኣይነበረን። እቲ ሓደ ፀብሒ ይሰርሕ እንተሃልዩ እቲ ሓደ ገዛ የፅሪ፡ ምስ ስእነትና ብፍቕርን ሰላምን ንነብር ኔርና። ድሕሪ ግዜ፡ ናብራ ልዕሊ ዓቕመይ ኮይኑ ምስተሰነፍኩ ግን ኣብ ህይወተይ ሓደ ዓብዪ ውሳነ ክውስን ኔሩኒ።ኣሕዋተይ ገዲፈ ናብ ዘይፈልጦ ዓዲ ተሰዲድካ ምስ ህይወት ምቅላስ። ኣደይ ብሓደራ ዝሓደገትለይ ኣሕዋተይ ንኽዕቢ ኢለ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲደ። 4 ዓመታት ዝኣክል ዓዲ ጓና እናሰራሕኹ ኣሕዋተይ የመሓድር ነይረ።
ዓዲ ጓና ተሰዲድካ፡ ምስራሕ ኣይኮነን፡ ምንባር እኳ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብዓይነይ እየ ሪኤዮ። ዘልኣለም ኣብ ሻቅሎትን ስክፍታን ኢኻ ትነብር። ህይወትካ ኣብ ጭቆናን መግዛእትን ኢኻ ተሕልፎ።ይኩን እምበር ኣሕዋተይ ካብቲ ዝነበርዎ ትሑት ናብራ ብዝሐሸ ይዓብዩለይ ስለዝነበሩ ፅባሕ ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ክበፅሑለይ እዮም እናበልኹ ተስፋ ስንቀይ ጌረ ይነብር ነይረ። ኣብዚ ዕሙር ናይ ህይወት ቃልሲ እዚ እናሃለኹ ግን ጥቅምቲ 24/2013 ዓ.ም ህዝቢ ትግራይ ብ ዕስለ ወረርቲ ዘርኣዊ ፅንተት ምስተኣወጆ፣ ናብ ዘይቆፃፀሮ ብርቱዕ ስቓይን ሻቅሎትን ኣተኹ። ትግራይ ኣብ ዕፅዋን ክባን ምስኣተወት ከምቲ ኩሉ ትግራዋይ ደሃይ ኣሕዋተይን ዓደይን ርሒቑኒ ብጭንቀትን ሻቕሎትን ተረቢሸ ዕረፍቲ ይኹን ድቃስ ኣይነበረንን። በቲ ሽዑ ዝነበረ ፀገም ስልክን ኢንተርኔትን ሓልሓሊፉ እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ደሃይ ኣሕዋተይ ረኺበ ኣይፈልጥን።
ኣብታ ድሕሪ እቲ ደማዊ ኲናት ዝተረኸበት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተብሃለት እፎይታ፡ ካብ ስደት ናብ ትግራይ ዓደይ ኣምሪሐ። ገዛና ሰብ የብላ ገለ የብላ ብዕፅውታ እያ ፀኒሓትኒ። ዕጫ ኩሉ ትግራዋይ ዝበፅሖም ኣሕዋተይ እውን ኣንፃር ወረርቲ ክቃለሱ ናብ በረኻ ከምዝወፈሩን ክሳብ ሕዚ ድማ ከምዘይተመለሱን ተነጊረ። ይኹን እምበር ድሕሪ እቲ ኲናት ጠጠው ምባሉ እውን ኣብ ትግራይ ምዃን ኣዝዩ ከቢድ ስለዝነበረ ዳግማይ እግረይ ናብ ዝመረሐኒ ካብ ዓደይ ተሰዲደ ዩጋንዳ ኣብ ዝብሃል ዓዲ ኣዕቊበ። ናብራ ስደተይ ከይክእል ግን፡ ድሕሪ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ልብኻ ዝሰብር፡ ናይ ዘመናት ጓሂ ዘሸክም መርድእ ሓሙሽተ ኣሕዋተይ በታ ጨካን እዝነይ ሰሚዐ።
ክንዲ ኣዶ ኾይነ ዘዕበኹዎም ኣሕወተይ፥ ሕዚ ግን ኩሎም የለውን።ካብ ዝወፈርዎ ኣይተመለሱን። “ኣዶ ትግራይ ኣይትነብዕን መሬት ትግራይ ብፀላእቲ ኣይውረርን።” ኢሎም ምእንቲ ክብሪ ትግራይ ተቓሊሶም፣ ናይ ምንባረይ ምኽንያት ዝነበሩ ኣሕዋተይ ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም። ስውእ ተጋዳላይ ዳኒኤል፡ ተስፋይ፡ ኣማኑኤል፡ ጉዕሽ፡ ተኽለሃይማኖት፡ ካብ ዝወፈርዎ ቃልሲ ኣይተመለሱንን። ብዘይ ኣሕዋት ተሪፈ። ምስ ሕልሞምን ተስፈኦምን ተቐቢሮም። ብፍላይ ኣማኑኤል ሓወይ ሙዚቃ ይፈቱ ነይሩ፣ደራፊ ክኸውን እዩ ዝደሊ ነይሩ። መዓልታዊ ክደርፍን ከዝይምን ከሎ ተስፋ ይስመዓኒ ነይሩ። ተስፋይ ሓወይ ድማ ኣብ ሰገን ዕድሚኡ ቆሎን እንቋቑሖን እናዘረ እናሸጠ፡ ንቐፃሊ ነጋዳይ ናይምዃን ባህግን ሕልምን እዩ ነይርዎ። ኣብቲ እዋን ዕፅዋን ክባን ኣብ ስደት ናሃለኹ፣ ኢንተርኔት ኣተኣላልሸ ክድውለሎም ከለኹ እውን ኣጆኺ ክንዕወት ኢና ናበሉ ተስፋ ይህቡኒ ኔሮም። ሕዚ ግን ናብቲ ድምፆም እውን ዘይሰምዐሉ ርሑቅ መገሻ ከይዶም፤ኣብ ማእኸል ሜዳ በይነይ ገዲፎሙኒ።
ምስ ሰብ ተፈጢርካ ብዘይሰብ ክትተርፍ ዘለዎ ቃንዛ፡ ኩሉ፡ ‘ሰብ እየ’ ዝብል ፍጡር ዝርድኦ ሓበራዊ ስምዒት ይመስለኒ።ምሳኻ ከለዉ እኳ ትናፍቖም ኣሕዋትካ ፅባሕ ዶ ክመፅኡ ድሕሪ ፅባሕ እናበልካ ንዘልኣለም ኣይመፁን ክትብሃል ከለኻ ዝስመዐካ ስምዒት እቲ ዝበፅሖን ብዓይኑ ዝራኣዮን ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። ግን ከ ምእንተ እዛ ምድሪ ምእንተ እዛ ትግራይ ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ ምዃኑ ድማ ነቲ ከቢድ ደልሃመት ሓዘን ጩራ ብርሃን ይዘርኣሉ።” እናበለት ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ጓሂ ዝሕንዝሕ ንብዓት ሓዊሳ ንደገ ተውፀኦ። “እዞም ኣሕዋተይ ብጅግንነት ንህዝቦም ኢሎም ክቡር መስዋእቲ ምኽፋሎም ዘኹርዓኒ እኳ እንትኾነ፣ ነገር ግን ንባዕለይን ንስድራይን ዘመሓድር ዝነበረኩ ሰናይት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብሓዘን ኣሕዋተይን ብሕሱም ናብራ ስደትን ምንባር ክሳብ ዝፀልእ ዘይንሰይ መሲለ የሕልፎ ኣለኹ።
ተስፋ ኣብዘይብሉ ናይ ስደት ህይወት ናብራይ ንምስዓር ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ካምፓላ ቅጫ መጠቓ መጢቐ ስዋ ፆሚቐ ኣብ ጎደናታት ዩጋንዳ ብእግረይ እናዘርኩ ስዋ እናሸጥኩ ይናበር ኣለኹ።” እናበለት ነቲ ኣብ ዩጋንዳ ተሕልፎ ዘላ ፀገምን ከርተትን ኣምሪራ ትገልፆ።
እዛ ኣብ ገፃ ሕራነን ፍሽኽታን ዘይፍለያ ንእስቲ ሰናይት “ዕለታዊ ናብራይ ንምድፋእ ምስ ሃገረይ ይስሕቕ፡ ምስ ሃገረይ የዐልል፡ እንተ ንብዓት ውሽጠይ ግን ኣብ በይነይ እየ ዘፍስሶ። ኩሉ ብደገ ዝሪኤኒ ከምቲ ደገይ እዩ ዝመስሎ እንተ ውሽጠይ ግን ኣነ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። ብዓቕልን ትዕግስትን ገፀይ ንምብራህ እፍትን፡ ሓቅን ክውንነትን ግን ውሽጢ ልበይ ጠቐር ካብ ዝለኽይዎ ዓመታት ኣቊጺረ ኣለኹ።” ብምባል ነቲ ዘላቶ ህይወት ብሕሱም ቃላት ትገልፆ። እዛ ንእስቲ ካብ ኣቦ ወንበር ማሕበር ተጋሩ ነበርቲ ዩጋንዳ ካምፓላ ኩነታት ህይወታ ዝገልፅ ድጋፍ ደብዳበ ዝተዋሃበት ምዃና እውን ትሕብር።
ሰናይት ሕዚ እውን፡ ምስ ሓዘናን ንብዓታን ከይተሰኮነት ንህይወት ትገጥማ ኣላ። ታሪኽ እዛ ንእስቲ፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ምሩፃት ደቀን ገቢረን ኣብ ውሻጠ ገዝአን ተኾርምየን ብንብዓትን እህህታን እናቖዘማ፡ ኣብ መሪር ሓዘን ንዝነብራ ብዙሓት ተጋሩ ደቀንስትዮን ኣዴታትን ዝውክል ኣብነታዊ ዛንታ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ግዱሳት ውልቀ ሰባት፡ውዳበታት ኮሚኒቲ ኾኑ ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝነጥፉ ዝምልከቶም ሃገራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብውነ ተገንዚቦም ግዝያውን ዘላቕን ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ግደኦም ከበርክቱ ትፅቢት ይግበር።
ምሉእ ስማ ንድሕነታ ተቐይሩ እዩ:: “ሰናይት” ከም ቅጽል ስም ትጥቀምላ።
To protect her safety, “Senait Kahsay” is used as pseudonym.
Omna Tigray External Contributor, October 2024