ዓይነ-ስውር ምዃነይ እናርኣየ ኣስናነይ ኣጉሪፉኒ

ዓይነ-ስውር ምዃነይ እናርኣየ ኣስናነይ ኣጉሪፉኒ

ነዛ ዓለም ብልበይ እምበር በዒንተይ ክርእያ ኣይተዓደልኩን። ገና ወዲ 3 ዓመት ህፃን እናሃለኹ እየ ብልሙድ ንፍዮ እናተብሃለ ብዝፅዋዕ ሕማም ብርሃን ዓይነይ ዝሳኣንኩ። እቲ ሕዚ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተሰወአ ምንኣስ ሓወይ እውን ኣብቲ ሽዑ ተሓዛሊ ህፃን እንከሎ ልክዕ ከም ናተይ ኣጋጢምዎ እኳ እንትነበረ፣ ከም ዕድል ኮይኑ ንሱ ብፀበል ሓውዩ ፤ ኣነ ግና ብርሃን ዓይነይ ክምለሰለይ ኣይከኣለን” እናበለ ኩነታት ኣተዓባብይኡ የዘንቱ ።

ፍስሃ ኣረጋይ ተሾመ ኣብ ትግራይ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ፍሉይ ቦታ ዶጉያት እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ብሩህ ኣእምሮ ዝተዓደለ ልበ-ብርሃን ምዃኑ ካብቲ ብህድኣት ከዋግዓካ እንተሎ ዝስማዕ ብሱል ሓሳባቱን ርቱእ ኣንደበቱን ቀልጢፍካ ንምርዳእ ግዜ ኣይወስደልካን።

“ካብ ግዜ ቁልዕነተይ ጀሚሩ ንስፖርት ጉያ ፍሉይ ዝንባለን ድሌትን ነይሩኒ። ኣብ 2008 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ መላእ ፀዎታታት ስፖርት ትግራይ እውን ተሳቲፈ ነይረ። ንክልልን ወረዳን ወኪለ ድማ ብናይ ዓይነ ስውራን ውድድር ጉያ ሓፂር ርሕቐት፡ ሜዳልያ ብሩርን ነሓስን ተሸላሚ ብምዃን ዓደይ ኣፀዊዐ እየ” እናበለ ዝነበሮ ሕሉፍ ተዘክሮ ይገልፅ።

ፍስሃ ብ 2013 ዓ.ም ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ሕግን ስርዓት ምሕደራን (Law and governance) 2ይ ዓመት ተምሃራይ እናሃለወ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ዘርኢ ኣፅናቲ ኵናት’ዩ ትምህርቱ ከቋርፅ ተገዲዱ። ንትምህርቲ ስነዜጋን ስነምግባርን ልዑል ፍቕሪ ከምዘለዎ ዘዋግዐና ፍስሃ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት (human rights) ንምስራሕ ኣብ ህይወቱ ነዊሕ ራእይን ሕልምን ከምዝነበሮ’ዩ ዝገልፅ። እዚ ኹሉ ርሱን ባህግን ድሌትን፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዘርኢ ኣፅናቲ ኵናት (Genocidal war) ተኣጓጕሉ ዝተኾለፈ ይመስል።

እዚ ኵናት፡ ሕልሚ ብዙሓት ኣምኪኑ፣ ተስፋ ማእለያ ዘይብሎም ተጋሩ ንበለል ኣትሪፉን እዩ። ፍስሃ እውን ኣብ ልዕሊ ዓይነ-ስውር ምዃኑ ግዳይ ናይዚ ሓሳረ መከራ ኾይኑ ብምፅናሕ፡ ነቲ ዘሕለፎ ፈታኒ እዋን ከምዝስዕብ ይገልፆ። “ኣብ ትግራይ ኵናት ምስበርተዐን ምስሓየለን እቲ ዝመሃረሉ ዝነበርኩ ዩንቨርስቲ መቐለ ምስተዓፀወን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዘ። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ኣርባዕቲኦም ኣሕዋተይ ፀላእቲ ክምክቱ ንግንባር ወፊሮም፣ ሰለስቲአን ደቂኣንስትዮ ኣሕዋተይን እታ ከቢድ ዋጋ ከፊላ ዘዕበየትኒ ወላዲት ኣደይን ኣብ ዕፅዋ እየን ነይረን። እንተ ኣነ፡ ኣዲስኣበባ ኾይነ ከምቲ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ጭንቂ ጥሒለ፡ ኣብ ትካዘ ተዋሒጠ እየ ነይረ። ንባዕለይ ንዕለታዊ ምግበይ ክኽእል ካብኡ ሓሊፉ’ውን ነቶም ኣብ ማእኸል ኵናት ተጠጢቖም ሓንሳብ ብጥይት ሓንሳብ ብጥምየት ዝሕለጉ ዝነበሩ ስድራይ፡ ንምሕጋዝ ሓደ መሪር ውሳነ ክውስን ነይሩኒ።

ነዛ ነብሰይ ኣእሚነ፡ ኣብ ማእኸል ጎዶናታት ኣዲስኣበባ ‘ሳሙናን ኦሞን’ ዘርጊሐ ክሸይጥ ጀሚረ። ካልእ ዝሓሸ ነገር ንኽሰርሕ፡ ዓቕሚ ይኹን ኣማራፂ ኣይነበረንን” እናበለ ነቲ ዝነበረ አፀጋሚ ኩነታት የረድእ።

“ኣብዚ ስራሕ ንእሽተይ ግዜ ምስፀናሕኹ ከምኣጋጣሚ ሓንቲ ‘ማርያና’ ዝተብሃለት ኣሜሪካዊት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብውልቃ ብሰናይ ፍቓድ ንፅጉማት እናዘረት ትሕግዝ ነበረት’ሞ፣ ቋንቋ እንግሊዘኛ ተርጓሚ ኮይኑ ምስኣ ዝሰርሕ ሰብ ደልያ እናተኣላለሸት እናሃለወት፡ ብቐረባ ዝፈልጡኒ ሰባት ንዓይ ጦቍሞማ፡ ረኺባ ኣዘራሪባትኒ።

“ካብዘን ‘ሳሙናን ኦሞን’ ትረኽቦ ኣታዊ ንእሽተይ ወሲኸ ‘ቋንቋ ምትርጓም’ ምሳይ ከስርሓካ” ዝብል ሕቶ ኣቕሪባትለይ፣ ነዚ ‘ዕድል’ ታይ ዓይነይ ክሓስየሉ ኢለ ሕራይ ኢለያ ተሰማሚዕና፤ ስራሕ ጀሚርና። ወግሐ ፀብሐ፡ ብፍርሕን ስግኣትን ተኸቢቡ ዝነበረ ውሽጠይ ብሓዱሽ ተስፋ ተመልአ።

ነገር ግን ኣብ ቋሕሰም ግዜ፡ ተስፋይ ክቕህም ጀመረ። ክልተ ተለኣኣኽቲ ሓይልታት መንግስቲ ፌዴራል ጥቆማ በፂሕዎም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ኣውዒሎምኒ። “ምስ መንግስቲ ትግራይ ርክብ ኣለካ እዩ”፣ ሓበሬታ ተቐብል ኢኻ ፡ ሓገዛት ትልእኽ ኢኻ” ብዝብል ፀለመ፡ ብመንነተይ ምኽንያት ናብ ዘይፈልጦ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ደርብዮምኒ። እቲ ንኽዛረቦ ዘሕፍር ድማ ከምዚ ከማይ ዝበሉ ዓይነ-ስውራን (ደገፍቲ ብልፅግና) እዮም ጠቍሞም ኣትሒዞምኒ ” እናበለ ነቲ ዝሓለፈ ጨካን ኣካሒዳ ግዜ ይዝክር።

“እታ ተስርሓኒ ዝነበረት ማርያና ዝተብሃለት ኣሜሪካዊት “ስለምንታይ ትኣስርዎ? ምሳይ ቋንቋ ምትርጓም ጥራሕ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ” ኢላ ተዛሪባቶም። ኮይኑ ግና “ንስኺ ዘይትፈልጥዮ ነገር ኣሎ” ኢሎም ክስምዕዋ ኣይከኣሉን። ዝኾነ ዓይነት ገበን ስለዘይረኸቡለይ ድሕሪ ናይ 2 መዓልቲ ማእሰርቲ እታ ኣስራሒተይ ‘ማርያና’ ብዋሕስ ብር 4 ሽሕ ኣፍቲሓትኒ። ስርሐይ እውን ምስኣ ቀፀልኩ።

ሕዚ እውን ነዊሕ ከይፀናሕኹ ድሕሪ ውሱን መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ካልኦት 4 ናይ ፀጥታ ሓይልታት “ንደልየካ ኢና” ኢሎም ብሓይሊ እናጎተቱ ብበትሪ እናደከሩ ብጭካነ ገሪፎምኒ። ኣነ ድማ “ሰሪሐ ዝበልዕ ሰብ እየ፣ “ዓይነ ስውር እየ በጃኹም ኣይትውሰዱኒ” ኢለ ለሚነዮም ኣብዮምኒ። ድሓር በቲ ተግባራቶም ሓሪቐ ” በቃ እሞ ኣይትወስዱንን ወይ ናይ ፖሊስ መፀውዒ ትእዛዝ ወረቐት ኣምፁለይ” ኢለ ምስተኸራኸርኩዎም ሓደ ፖሊስ ብሰደፍ ብረት ኣልዒሉ ኣስናነይ ኣጉሪፉኒ። ኣብ ልዕሊ ብርሃን ዓይኒ ምሰኣነይ፡ ኣስናነይ እውን ኣስኢኑኒ። “ብሓቂ ከምዚ ዓይነት ጭካነ ኣብ ልዕሊ ዓይነ ስውር ዝፍፅም ፍጡር ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን ነይረ። ሕዚ ክልቲኡ ላዕለዋይ ስኒ የብለይን፤ ተሸሪፉ እዩ።

ድሕሪ እዚ ኹሉ መግረፍቲ እውን እንትኾነ እናደፍኡን እናወጠጡን ምስ ደመይ እናሃለኹ ናብ ዘይፈልጦ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዳጕኖምኒ።

ኣብታ ዝተኣሰርኩላ ፀባብ ክፍሊ ልዕሊ 100 እሱራት ኢና ብሓደ ተፀቓቒጥና ንውዕል ንሓድር ነይርና። ኩልና ብሓደ ተፀፍፂፍና ንኽንድቅስ ቦታ ስለዘይኣኽለና፡ እናተባረና “ገሌና እንተደቂስና” ገሌና ኮፍ ኢና ንብል። እቲ ክላስና ኣብ ልዕሊ ምፅባቡ ሕማቕ ጨና ስለዝነበሮ ንጥዕናይ እውን ከቢድ ነይሩ።

ከምዚ ዓይነት ፍፃመ ኣብ መብዛሕቲኡ ትግራዋይ ከምዝበፅሐ ይፈልጥ እየ፤ ኣባይ ዝኸፍአን ዝተፈለየን ዝገብሮ ግና ምስቲ ዘለኒ ኣካላዊ ፀገም እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ልዕለይ ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ማእሰርትን ምንግልታዕን ብዙሓት ተጋሩ ጋዜጠኛታትን ዓበይቲ ሰብ ሞያ ጥዕናን ብቐረባ ዝፈልጥዎ እዩ።

ድሕሪ 4 ወርሒ ናይ ስቓይን ቃንዛን እዋናት ተፈቲሐ። በቲ ዝበፃሓኒ ገሃንም ዘይዳረጎ ማእሰርቲ ምስ ሰንበድኩ ኣብ ሒደት መዓልታት ዝፈትዎ ዓደይ ሓዲገ ካብ ኣዲስኣበባ ብምብጋስ፡ መንገዲ ዝምርሑኒ እሙናት ሰባት ኣላልሸ ምስረኸብኩ ብሞያሌ ኣቢለ ዶብ ሰጊረ ኬንያ ናይሮቢ ኣተኹ። ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣእትየ (risk ወሲደ) እየ ናብ ኬንያ ተሰዲደ። እዚ ከይዲ ጉዕዞይ ንኽሰምር ናይ ብዙሓት ወገናት ኣዎንታዊ ግደ ከምዝነበረን ብፍላይ ብሰለስተ ግዱሳት ተጋሩ ዝተገበረለይ ሰብኣውነት ዝተመልኦ ትሕብብርን ሓገዝን ፈፂመ ኣይርስዖን።

ከም ሰብ ሕስብ እንተብሎ፡ እዚ ኹሉ ናይ ስቅያት ጉዕዞ፡ ኣሽንኳይዶ ‘ዓይነ-ስውር’ ኮይንካ ሙሉእ ጥዕና ንዝሓዘ ሰብ እኳስ ንኽትኣምኖ ዝኸብድ፡ ንኽትሰምዖ ዘደንፁን ዘስደምምን እዩ።

ኣብ ኬንያ ካኩማ ዝተወሰነ እዋን ፀኒሐ፡ ኵናት ትግራይ ጠጠው ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ “ሰላም እንተድኣኾይኑስ ዓድኻ እዩ ዋና” ኢለ ንትግራይ ተመሊሰ። ኮይኑ ግና ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ 2ይ ምዕራፍ ኵናት ምስቀፀለ፣ ብፍላይ ኣብቲ ዝነርበኩሉ ከባቢ ራያ ኣላማጣ ደብዳብ ድሮን ምስሓየለን፡ ዳግማይ መረበተይ ሓዲገ ናብ ዩጋንዳ ሃፅ ኢለ ተሰዲደ። ክሳብ ሕዚ ድማ ኣብዚ መፅለሊ ስደተኛታት ዩጋንዳ ፍሉይ ቦታ ‘ናኪባሊ’ ኣዕቝበ ይነብር ኣለኹ።

ኣብዚ ዘለኽዎ፡ ንምዝራቡ ዝኸብድ ዓይነት ሂወት እየ ዘሕልፍ ዘለኹ። ዓይነ-ስውር ኮይንካ ብዘይተስፋን ዕላማን ምንባር ክንደየናይ ከምዘሕምም ዝበፅሖ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ። ሰሪሐ ዝበልዐሉ ዓቕሚ እናሃለወኒ፡ ክምሃረሉ ዝኽእል ዓቕሚን ክእለትን እናሃለወኒ ዘይምዕዳል ኮይኑ ኣብ ፀምፀም በረኻ ኣብ መዓስከር ተደርብየ የሕልፎ ኣለኹ ይብል ፍስሃ።

ኣነ ጥራሕ ኣይኮንኩን፡ ብዙሓት በላሕቲ መናእሰይን ደቂኣንስትዮን ስደተኛታት ተጋሩ ኣብዚ ዘለኽዎ መዓስከር ተስፋ ስኢኖም፡ መፃኢኦም ፀልሚቱ ኣብ ዕንይንይ ይነብሩ ኣለው።

እዚ ጭንቂን ዓቕሊፅበትን ዝወለዶ ድማ መብዛሕትኦም ኣማራፂ ስኢኖም ብዓይነ -ዕሙተይ ገሊኦም ናብ ፎቖዶ ሊብያ ገሊኦም ናብ ሃገራት ኣንጎላን ካልኦትን ክስደዱ ይውዕሉ ኣለው” እናበለ እቲ ሕዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ናይቲ ስደተኛ ኣብ ዘሰክፍን ዘሻቕልን ደረጃ ከምዘሎ ብዝርዝር ትዕዝብቱ ይገልፅ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ነዚ ፀገም ንምቅላልን እታ እንብህጋ ትግራይ ንምግሃድን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ወልቃውን መንግስታውን ኣካላት ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ እሂን ምሂን ኢሎም ብምምኽኻር ተግባራዊ ስጉምቲ ንክወስዱ ትካል ኦምና ትግራይ የተባብዕ።

ኣብ ትግራይ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ሳይንሳዊ መፅናዕቲታት ብምክያድ ፀገም ማሕበረሰብ ዝፈትሕ መሃዝን ተመራማርን ንቑሕን ምዕቡልን ወለዶ ንኽህነፅ፡ ንፅባሕ ዘይባሃል ናይ ተጋሩ ሓባራዊ ውራይ ተገይሩ ክስራሕ እውን ኦምና ትግራይ ፃውዒት የቕርብ።

በሪሁ ገዛኢ – Omna Tigray Contributor, February 2025

Share