“ንሞት ባዕልኹም ኣይትኺድዋ” ስለምንታይ መንእሰይ ትግራይ ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ?

“ንሞት ባዕልኹም ኣይትኺድዋ” ስለምንታይ መንእሰይ ትግራይ ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ?

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ርሑቑን ቀረባን ዘራያት ኣተኣኻኺቦም ትግራይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ወሸን ኢሎም ኩሉ ዓይነት ዕንወት፣ ፅንተትን ብርሰትን ኣብ ዝፈፀምሉ እዋን፥ መናእሰይ ትግራይ “ንሕና እናሃለና መሬት ትግራይ ብፀላእቲ ኣይድፈርን” ኢሎም ከም ቀፎኡ ዝተተንከፎ ንህቢ፣ ማዕበላዊ ቃልሲ ወሊዖም። ብልዑል ሕራነ ናብ ግምባር ወፊሮም።
ምእንተ ክብርን መንነትን ህዝቦም ተኳሺሖም፤ ህልውናን ድሕንነትን ትግራይ ኣውሒሶም እዮም።

እሞ፣ እቲ ህልውና ትግራይ ዘውሓሰ “ትግራይ ግምባራ ከይውቃዕ” ግምባሩ ዝሃበ፣ ደሙ ዘፍሰሰ፣ ኣካሉ ዝጎደለ መንእሰይ ትግራይ ስለምንታይ ድኣ ኣብዛ እዋን እዚኣ ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ? ኣብ ዓውደ ውግእ ዘይተማረኸ ንምንታይ ኣብ ፈቖዶ ሊብያን የመንን ብደላሎ ይማረኽ ኣሎ? እቲ ዓዱን ዓውዱን፣እቲ መዳሕንቱ ዝተቐበረላ መረበቱ፣ እቲ ዓዲኣቡኡን ዓዲ እንኡን፣እቲ ዝፈትዎም ስድርኡን መቕርቡን ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመርሖ፥ ሞት ከምዘሎ እናፈለጠ፤ እሞ ድማ ክነብረላ ኢሉ ደሙ ዘፍሰሰላ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ መስዋእቲ ብፆቱ እናረአየ፣ ሕድሪ ስውኣት ብፆቱ ተቐቢሉ ሕድሮም ከይፈፀመ ናብ ስደት ዘምርሐላ ምኽንያት ብኽልተ ነገር እየ ዝሪኦ” ይብል ነባራይ ከተማ መቐለ መንእሰይ ገብረሚካኤል ኪዳነ፧ “እቲ ሓደ፣ ፀገሙን ድልየቱን ዝርእየሉ መሪሕነት ስለዝሰኣነ፣ በዚ ድማ ሕመቕን ህረፍ ስልጣንን ኣብ መራሕቱ ይዕዘብ ብምህላው እዩ። ገለገሊኡ “እዚ ኩነታት ክሳብ ዝረጋጋዕ ግልስ ክብል” ኢሉ ስደት ይመርፅ ኣሎ።

እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ “ሰሪሑን ርሂፁን ህይወቱ ክመርሐላ፣ ህይወቱ መሪሑ እውን ዓዱ ከዕብየላ ሃፍታም ትግራይ እናሃለወቶ፥ እቲ ሃፍቲ ኣብ ኢድ ውሑዳትን መን ኣሎ ካባና ወፃእን በሃልቲ ስለዝኣተወ እዩ ዝብል ርድኢት ኣለኒ” ይብል።
በዚ እውን ሰሪሑ ዝበልዐላ ዓዲ፤ ዕድል ስራሕ ስለዘይፈጠረትሉ፡ ይረኸብ ኣይረኸብ ብዘይፈልጦ ‘ስራሕ ኣለዎያ’ ናብ ዝተበሃለ ዓዲ ጓና ክስደድ ይግደድ ኣሎ።

“እቲ ልብኻ ዘድሚ ድማ ናብታ ዝሓሰባ ከይበፅሐ፥ ኣብ በረኻታት ሊብያን የመንን ግዳይ ሞትን ስቅያትን ይኸውን ኣሎ” ይብል ገብረሚካኤል።

እቲ ናሃቱ ሞትን ስቅያትን ከይኣክል፥ ገንዘብ እምበር ሕልና ይኹን ሰብኣውነትን ዘይፈጠረሎም ስሱዓት ኣስገርቲ/ደላሎ፥ ነቲ ክሓልፈለይ ኢሉ ናብ ስደት ዘምርሕ ትግራዋይ፥ ልክዕ ከም ውኻርያን ነብርን ኣብ ፎቖዶ መንገዲ እናሓነቑ ይሕዝዎ ኣለው።

ናብ ስድራ እቶሞ ወገናት ብስልኪ ደዊሎም “ገንዘብ ሃቡ፣ ወድኹም ወይ ጓልኩም ክትረኽቡ ፤ እንተዘየለ ኣብ ኣፍ ሞት ኣሎ” ብምባል ነቲ ወላዲ እናፈራርሑ ዝነበረኦ ንብረቱን ጥሪቱን ኣሽይጦም፥ ኣሽሓትን ሚልዮናትን ዝወስዱ ዘለዉ ሰያጥን ድማ ትዕዘብን ትሰምዕን እሞ ብጓሂ ሕርር ትብል።

ኣብዚ እዋን፥ ወዳን ጓላን ክተድሕን ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ክርስትያንን ዕዳጋን ‘ፃውዒት ሓገዝ’ ዝብል ባነር ኣስሪሓ፣ ናብ ሚሞሪ ‘ድምፂ ሓግዙና’ ብምምላእ ብመጉልሂ ድምፂ እናጋውሐት ለይትን ቀትርን እትልምን ኣዶን ዝልምን ኣቦን ምርኣይ ልሙድ እዩ። እዚ ክትርኢ ከለኻስ “እዛ ትግራይ ከመይ ድያ ጨኪናትልና፣ከመይ ድያ ብሃፍታማ ኣብ ድኽነት ክንነብር፣ ባሕሪ ሰጊርና ናብ ስደት ክነምርሕ ፈሪዳትልና” ኢልካ መልሲ ዘይርከቦምን መላሲ ዘይብሎምን ሕቶታት ክትሓትት ትግደድ” እናበለ ነቲ ኩነታት የብራህርህ።

ብዝኾነ እቲ መሰረታዊ ፀገም ካብ ባዕልና እቲ መሰረታዊ መፍትሒ እውን ካብ ባዕልና እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ዝበለ ገብረሚካኤል “ንሕና ብውነ ስለዘየለና፡ መንእሰይና ናብ ዕርብርብ ስደት ይበታተን ኣሎ። ኣነኳ’ስ ፓስ ፖርት ዘየውፃእኹ ኮይነ እምበር ኪድ ኪድ እዩ ዝብለኒ ዘሎ። ምኽንያቱ ክሰርሐሉ ዝግብአኒ ግዜን ሞያን በቲ ዝድለ እናሰራሕኹሉን ለውጢ እናምፃእኹሉን ኣይኮንኩን ዘለኹ” እናበለ ኣብ ዕለታዊ ናብርኡ ዕጉብ ከምዘይኮነ ይገልፅ።

ነባራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝኾነ መንእሰይ ሰለሞን ግደይ ብወገኑ፧ “ናይ ስደት መንቀሊ ምኽንያት ብዙሕ እኳ እንትኾነ መንእሰይ ትግራይ ንምንታይ ይስደድ ኣሎ? ንዝብል ግን ውሽጣዊ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣ ቁጠባዊ ቅልውላው ብምህላው ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ትግራይ ደመና ኵናት ዘንፀላለዎ ኩነታት ስለዘሎ እዩ ዝመስለኒ” ብምባል ይገልፅ። ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ኵናት ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ስለ ዘይተመለሰ ተስፋ ምቁራፅ ዝወለዶ ክኸውን ይኽእል፤ ዝብል ርድኢት እዩ ዘለኒ” ይብል ሰለሞን።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ፖሊሲን ስትራተጅን መንግስቲ ትግራይ ንመንእሰይ ትግራይ ሓቋፋይ ዝኾነ ኣሰራርሓን ግልፅነትን ስለ ዘይኽተል እዩ” ኢለ እየ ዝሓስብ። ነዚ ስዒቡ ድማ መንእሰይ ትኹረት ዝገበረ ዕድል ስራሕ ስለ ዘየለን ብሰንኪ ፅንተታዊ ኵናት ዝበፀሐ ናይ ስነልቦና ማህሰይቲ ዝፈጠሮ ኣእምሯዊ ነውፂ ክኸውን ይኽእል” ብምባል ዘለዎ ርእይቶ ይጠቅስ።

ካልእ ካብ መቐለ ዘዘራረብናዮ መንእሰይ ሓጎስ ብርሃነ ብግዲኡ፧ “ከም ዝመስለኒ፥ ተስፋ ህዝብ ኩነታት ኣይኮነን ዝርኢ ዘሎ። እቲ መንእሰይ ዋላ’ኳ ኣብ ዓዱ ክሰርሕን ክልወጥን ድሌት እንተሃለዎ ፤ ሰናይ ምሕደራ የለን ፣ ስርዓተ መንግስቲ የለን።

ሓደሓደ ግዘ “መንእሰይ ንኲናት ጥራሕ ድዩ ዝድለ” ኢልካ ንኽትሓስብ’ውን ትግደድ ኢኻ። ዋላ እዉን ንዓዱ መስዋእቲ እንተኸፈለላ ካብ ፀገም ክትወፅእ ኣይከኣለትን” ይብል ሓጎስ። “ኣብ ኩሉ ከባቢ፥ መንእሰይ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ተስፋ ቖሪፁ ፣ እንዳለመነ ንዘየድሊ ወልፍታት ሽጋራ ፣ ጫትን ሓሽሽን ተሳጢሑ ኣሎ።

ስለዚ ካብ ኣብ ዓደይ እናጠመኹ ዝመዉት ኣብ በረኻታት ሊብያን ሲናይን ክመዉት ኣለኒ ኢሉ እዩ ዝስደድ ዘሎ። እዚ ከምዚ እንተቐፂሉ ፅባሕ ንትግራይ ከቢድ ዋጋ ከኽፍላ እዩ” ዝብል ስግኣት ከምዘለዎ ድማ ኣትሪሩ ይገልፅ።

እቲ ካሊእ ምኽንያት ዝመስለኒ፥ ዓብዪ ናይ ኢኮኖሚ ኣፈላላይ ኣሎ” ዝበለ ሓጎስ ኣብተን ዝሓለፋ ናይ ፅንተት እዋናት ገሊኡ ብረት ታሓንጊጡ እንትዋጋእ ገሊኡ ብኮንትሮ ፣ ብስርቅን ምጭብርባርን ዝተቐየረ ሰብ ብርክት ዝበለ እዩ። እዚ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ፅልዋ እውን ቀሊል ኣይኮነን” ብምባል ዘለዎ ርድኢትን ትዕዝብትን የካፍል።

ካብ ሊብያ ብስልኪ ዘዘራረብናዮ መንእሰይ ቃልኣብ ዘነበ ብወገኑ፧ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣሽሓት ዝቑፀር መንእሰይ ትግራይ ናብ ሊብያ ይውሕዝ ምህላው ከምዝተዓዘበ የረድእ።

ኣብ ሊብያ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብቃላት ዘይግለፅ ኣካላውን ስነልቦናውን ስቓይን መግረፍትን የሕልፍ ከምዘሎ ዝገለፀ ቃልኣብ፡ ናብ ስደት ዝወፅኣሉ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝስዕብ ይገልፅ፧ ” ስደት ክወፅእ ዘገደደኒ፥ ፀገማት ምስተደራረበኒ እዩ። ብፍላይ ህፃን ወደይ ዝበልዖ ስኢኑ ጠምዩ እናበኸየ ምስርኣኹ ካብዚ ክፉእ ዓይኒ ዝርኢ ኢለ እየ ጨኪነ ወፂአ። ሕሰቦ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሓፍትኻ ጠምያ ክትሪኢ፣ ኣዴኻ ንደቃ ተቕርቦ ቁራስ እንጀራ ስኢና ከፊእዋ ክትርኢ ኣብኡ ኮፍ ክትብል ውሽጥኻ ኣየኽእለካን እዩ። ኣነ ጥራሕ ኣይኮንኩን ኣባል TDF ዝነበሩ ውቃዕ ዘለዎም ገና በሰለኦም ዘይሓወዬ ኣብዚ ሊብያ ምሳይ ኣብ ሓደ መረባ ብዙሓት ኣለና። ዝገርመካ ድማ ዋላ ምስዚ ኹሉ ፀገማቶም ሕዚ’ውን “ትግራይ ትግራይ” እዮም ዝብሉ ብፍቕሪ ዓዶም ዝነደዱ እዮም። ነገር ግን ኣሚኖምሉ ዘይኮነስ ዓቕሊ ፅበት እዮም ስደት ወፅዮም። ኣብ ትግራይ ዘሎ ስራሕ ስእነት ዝወለዶ ጥምየትን መከራን ብሓቂ መሰከፊ እዩ” ብምባል ድማ ነቲ ኩነታት ኣምሪሩ ይገልፆ።

ኣብ ሊብያ ዝግበር ግፍዕን መግረፍትን ልዕሊ እቲ ብቪድዮታት ዝዝርጋሕ ምስሊ እዩ ዝበለ ቃልኣብ ኣብዚ ከም ሰብ ዝቖፅረካ የለን፤ እቶም ሸፋቱ ልክዕ ከም እንስሳ እዮም ንገንዘብ ዝሸጡኻ ዝልውጡኻ። ገና ናብዚ ክመፅኡ ንዝሓስቡ መንእሰያት “ንሞት ባዕልኹም ኣይትኺድዋ” ‘መፂእኻ ኤሌትሪክ ከም ምጭባጥ ሕሰብዋ’ እየ ክብሎም ዝደሊ” ብምባል እውን የጠንቅቕ።

ብዙሕ ሰብ ዝደናገረሉ ምኽንያት፥ ገና ካብ ዓዲ ክትብገስ እንተለኻ እቶም ደለልቲ ፀፅቡቑ እንዳነገሩ፣እናተባብዑ እዮም ካብ ዓድኻ ዘውፅኡኻ፣ ብድሕሪኡ ዘሎ ስቓይን መከራን ግን ብቃላት ዘይግለፅ ዘስካሕክሕ ጭካነ ኢኻ ትርኢ። እዚ ኹሉ ሓሊፍካ’ውን ኩሉ ስደት ዝወፅአ ይቐንዖ ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ሊብያ 8, 9 ዓመት ገይሮም ብዘይ ገለነገር ኣብ ስደት ዕድሚኦም ወዲኦም ዝመረቱ ኣለው። ካብዚ ሓሊፉ ህይወቶም ዝስእኑ ብዙሓት እዮም።

“ነዚ ሓደገኛ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ድማ መንግስቲ ኣብ መናእሰይ ዝጠመተ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፥ እንተስ ብውልቀ እንተስ ተወዲቦም፥ መስርሒ ቦታን ልቓሕን ተዋሂቦም ኣብ ዓዶም ንክሰርሑ ባይታ ክመቻቸወሎም ብዘይ ወዓል ሕደር ክስራሕ ኣለዎ” ይብል ቃልኣብ።

ምኽንያቱ ኣብ ዓዲ ጓና ከይድና እውን ስራሕ ኢና’ኮ ክንሰርሕ፥ ምሽቃል ምሽቃሉ ኣብ ዓድኻ ዝመስልዎ የለን፡ ካልእ ይትረፍ ብናፅነት ወፊርካ ስለትኣቱ፣ ንባዕልኻ ተለዊጥካ ድማ ዓድኻ ስለትልውጥ ማለተይ እየ። እዚ እንተዘይኮይኑ፥ ዳርጋ ኩሉ መንእሰይ ናብ ስደት ኣንቂዱ እዩ ዘሎ” ብምባል ሓሳቡ የጠቓልል።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መተሓባበሪ ክፍሊ መፅናዕቲ ስነ ፍልሰት ኣይተ ሽሻይ ታደሰ ብግዲኦም ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ 30 ሽሕ መናእሰይ ትግራይ ንዘይሕጋዊ ስደት ከምዝተቓልዑ ኣረዲኦም።

ካብ ሰነ 2015 ክሳብ ሰነ 2016 ዓ.ም ብደረጃ ኢ/ያ ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ልዕሊ 108 ሽሕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝተሰደዱን ካብዚኣቶም እቶም ልዕሊ 30 ሽሕ ማለት እዉን 30 ሚኢታዊ ተጋሩ ምዃኖም ኣይተ ሽሻይ ወሲኾም ኣብሪሆም። ቀንዲ መበገሲ ዘይሕጋዊ ስደት፥ ስእነት ስራሕን ወጥሪ ፖለቲካ ትግራይን እዩ ዝበሉ ኣይተ ሽሻይ 80 ሚኢታዊ ዝኾን መንእሰይ ትግራይ ኣብ ፀገም ከምዝርከብ ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋዲስ ብወገኖም ኣብ 11 ወረዳታት ኣብዚ ሽዱሽተ ወርሒ ማለት እዉን ካብ ሓምለ ክሳብ ሕዳር 2017 ዓ.ም ዝተገበረ መፅናዕቲ 6646 ዝኣኽሉ ወገናት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ስደት ከምዝወፁ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ 2015/16 ዓ.ም ኣብ 49 ወረዳታት ትግራይ ዝተገበረ ዳህሳስ ከምዘመላኽቶ 32 ሽሕ ዝኣኽሉ ወገናት ከምዝተሰደዱ ዝገለፁ ኣይተ ሓይሽ ስባጋዲስ እዚ ናይ ሎሚዘበን ኣሃዝ ካብ ዝሓለፈ ዓመት እንትረአ ሓለፋ ከምዘለዎ ጠቒሶም።

ስደት መናእሰይ ትግራይ በቢእዋኑ ሕዚ’ውን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ሓይሽ፥ ኩነታት ፖለቲካ ትግራይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክመሓየሽ ትፅቢት እናተገበረሉ ብኣንፃሩ ይጋደድ ብምህላው “ዳግም ናብ ኵናት ክንምለስ ኢና” ብዝብል ስግኣት መንእሰይ ብበዝሒ ይስደድ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ብፍላይ ቅድሚ ሕዚ፥ በዝሒ ስደት ዝርኣየለን ከባብታት ዞባ ምብራቕ፣ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ከምዝነበራን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ስደት ዘይርኣየለን ዝነበረ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣስገደ፣ ፅምብላን ሸራሮን ሓዊስካ ሙሉእ ትግራይ ዝሸፈነ በዝሒ ስደት መናእሰይ ይርአ ምህላው ገሊፆም።

ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ማለት’ውን ምስ ቢሮ ሕርሻ፣ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ፈጠራ ዕድል ስራሕን(Tvet)፣ ኤጀንሲ መሬትን መዓድንን፣ ትካላት ኢንዱስትሪ፣ ከምኡ ድማ ልቓሕ ኣብ ምምችቻው ምስ ደደቢትን ኣደዳይን ማይክሮ ፋይናንስ ብምትሕብባር መናእሰይ ማእኸል ዝገበረ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ስደት መናእሰይ ደው ንኽብል ዘኽል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ መናእሰይ ተረባሕቲ ንምግባር ካብ ዝግበሩ ዘለው ኣብነታዊ ምንቅስቓሳት ‘ሰብዋና መሬት ገባራት’ ግራውቶም ኣብ እዋን ክረምቲ ንሕርሻ ይጥቀምሉ፤ ኣብ እዋን ሓጋይ ድማ መናእሰይ ናይቶም ሓረስቶት ግራውቲ ተኻርዮም ብኤክስካቫተር ማይ ኩዒቶም ብልምዓት መስኖ፥ ዝተፈላለዩ ኣሕምልትን ፍራምረን፣ ከምኡ ድማ ምፍራይ ደርሁን ልምዓት ኣናህብን ዘጠቓለለ ሃፍቲ እንስሳ ኣልሚዖም ንኽጥቀሙ ኣብ ምግባር ካብ ዓሚ ጀሚሩ ዝሓሸ ልምድን ተሞክሮን ከምዘሎ ገሊፆም።

ብፍላይ መስርሒን መንበሪን ቦታ፣ መጠሻ፣ ናብ ከተማ ዝኣተው ከባብታት ንመናእሰይ ብሰፊሑ ንክወሃብ፥ እዚ’ውን ክሳብ ዝቕፅል ሚያዝያ 2017ዓ.ም ክዛዘም ብግዝያዊ ምምሕዳር ውሳነ ወፅዩ ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ነገር ግን ሓደሓደ መናእሰይ ዋላ መስርሒ ቦታን ገንዘብን እናሃለዎም ነዚ ንጎኒ ገዲፎም ዝነበሮም ገንዘብ ሒዞም ናብ ስደት ዝወፁ መናእሰይ ኣለው። እዚ ንኽገብሩ ዘገድዶም ድማ ብሰንኪ ” ስግኣት ኵናት” ምዃኑ እዩ ዝግመት” ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ብሰንኪ ዘጋጠመ ዘርኢ ኣፅናቲ ኵናት(Genocidal war) ከቢድ ቁጠባዊ ዕንወት ከምዝበፅሐን ናይዚ ውፅኢት ድማ “ብሚልዮናት ዝግመት ስራሕ ኣልቦ መንእሰይ ብምህላው ነዚ ዝኣክል ቁፅሪ ብሓደ ግዜ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ቀሊል ከምዘይኮነ ድማ ጠቒሶም።

መንእሰይ ብኣተሓሳስባ ግንዛብኡ ክሰፍሕን ደረጃ ንቕሓቱ ኽዓቢን ስደት ብምፅያፍ ኣብ ዓዱ ስራሕ ፈጢሩ ተጠቃማይ ንክኸውን ምስ ትካላት ሃይማኖት፣ ሚድያታትን ምግበረ ሰናይ ትካላትን ብምዃን ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብፍላይ ሙሁራት ትግራይ ‘ንስደት መናእሰይ’ ኣጀንዳ ገይሮም መፅናዕትን ምርምርን ብምክያድ ግዝያውን ዘላቕን መፍትሒ ኣብ ምምፃእ ዝተጀመረ ስራሕቲ ከምዘሎን እዚ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ዝተዋደደ ኩለንተናዊ ተሳትፎ ከምዝሓትት ኣይተ ሓይሽ ኣገንዚቦም።

በሪሁ ገዛኢ – Omna Tigray Contributor, February 2025

Share