ትማሊ ኵናት፡ ሎሚ ስደት ዘማስኖም ዘሎ ስደተኛታት ትግራይ

ትማሊ ኵናት፡ ሎሚ ስደት ዘማስኖም ዘሎ ስደተኛታት ትግራይ

ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ዓዲ ዝኮኑ ሰብ ክንደይ ሕልምን ራእይን ህፃውንቲ ትግራይ ኣእዛኖም ኣብ ክንዲ ናይ ቤት ትምህርቲ ደወል ናይ ድሮንን መዳፍዕን ድምፂ ከዘውትር ክንዲ ምርኣይ ዘሕምም የለን።
ብ’ተመን’ያ ዝሰንበደስ ብልሕፂ ተድሃለ’ ከምዝበሃል፡ ሎሚ ድምፂ መኪና ሰሚዖም “ደብዳቢት ኣየር መፀትና” እናበሉ ብስንባደ ናብ ትሕቲ ዓራት ዝጎይዩ ህፃውንቲ እልፊ ኣእላፍ እዮም።
ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈፀመ ኣዕናዊ ደማዊ ኵናት፡ ኣብ ነፍሰወከፍ ትግራዋይ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ ግፍዒ የለን።
ልዕሊ 1 ሚልዮን ዝኣኽሉ ወገናት ንሞት፡ ብቁፅሪ ንምግላፁ ዘሰክፍ በዝሒ ህዝቢ ትግራዋይ ድማ ኣይማዩ ኣይሰማዩ ኣደዳ ስቓይ፣ ስደትን ምንግልታዕን ኮይኑ፡ ኩሉ ዓይነት መከራ ኣተኣናጊዱ።

እቲ ንስደት ጋሻ ዝኾነ፡ እንታይነት ስደት’ኳ ዘይፈልጥ ትግራዋይ፡ግፍዕን በደልን ምስመረሮ፡ ገሊኡ ደቁ ሓንጊሩ ገሊኡ ብዓይነ-ዕሙተይ እግሩ ነናብ ዝመርሖ ዞጓሕ ክብል ክንከራተት፡ እታ እንካ እምበር ሃባ ዘይትፈልጥ ኣዶ ትግራይ፡ ፎቖዶ ጎደናታት ኢዳ ንልመና ክትዝርግሕ ዝገበረ ጨካን ግዜ ነይሩ።
ኣብቲ ሽዑ ግዜ ፡ ትግራዋይ ነታ ብመከራን ፀበባን ተኸቢባ፡ ኣብ ኢድ ሓረድቲ ዝወደቐት ህይወቱ ንምድሓን፡ ዝፈትዎ ሙውቕ ገዝኡ፣ ዓዱን መረበቱን ሓዲጉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን፣ኬንያ፣ ዩጋንዳን ካልኦትን ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ-ጭንግራሕ ኢሉ ንኽብተን ተገዲዱ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሱዳን ልዕሊ ስሳ ሽሕ፣ ኣብ ኬንያን ዩጋንዳን ድማ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዝኣኽሉ ተጋሩ ስደተኛታት ኣዕቝቦም ይርከቡ።
ትግራዋይ ኣብተን ዘዕቖበለን ዓድታት፡ ዝሓሸ ንፋስ ሰላም ዋላ’ኳ እንትረኸበ ነገር ግን ብሕሱም ስደት ማሲኑን ተጎሳቝሉን ሕዚ’ው ንከቢድ ስነ-ኣእምሯዊ ጭንቀት ተሳጢሑ ኣብ ሰንፈላል ህይወት ይነብር ኣሎ።

1. ሕሉፍ ኣእምሯዊ በሰላ፦
“ኣብቲ ተኣሲርናሉ ዝነበርና ግዜ ኣብ ሓንቲ ፀባብ ክፍሊ ልዕሊ ሳላሳ ሰብ ኢና ነይርና። ሕዱር ሕማም ዝነበሮም ሰባት ኣብ ቅድሜና ክሞቱ ንቡር እዩ ነይሩ።ብጭንቀት ነብሱ ከጥፍእ ዝሓስብ ሰብ ቁፅሪ ኣይነበሮን። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ነቶም ምሳና ሓዲሮም ንጉሆ ሬሴኦም ተጎቲቱ ዝወጹ ዝነበሩ ተጋሩ ክዝክሮ ከለኹ ሕጂ ኾይኑ እዩ ዝርኣየኒ፤ ክሳብ ሎሚ ካብ ድቃሰይ እየ ዝብህርር።” ይብል ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ተኣሲሩ ዝነበረ ሕዚ ኣብ ዩጋንዳ ዘዕቖበ ዳዊት ዘነበ ዝተብሃለ ትግራዋይ።
“ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መሬትን ትግራይ ኩሉ ዓይነት ዕንወት፣ ብርሰትን ፅንተትን እዮም ፈፂሞም።
ኮነ ተባሂሉ ህዝብና ጥይትን ጥምየትን እናተበራረዩ ከማስንዎ ተገይሩ” ይብል ዳዊት።
ኣብ መላእ ሃገር ብፍላይ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ተጋሩ ብመንነቶም ክጋፍዑን ክእሰሩን ብምግባር ንዓመታት ብደመ-ርሃፆም ዘጥረይዎ ንብረቶም ብፀሓይ ቀትሪ ብጉሒላታት ተወሪሩ። ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ግፍዒን ክሕደትን ተፈፂምዎ።
እቲ ኩናት ዝሓደጎ ፀሊም በሰላ ንብዙሓት ስደተኛታት ሕዱር ቃንዛ ኾይኑ ሕዚ’ውን ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ከቢድ ስነልቦናዊ ሃሰያ የብፅሕ ኣሎ።

2. ፋይናንሳዊ ፀገም፦ ኣብ ስደት ንጭንቀት ካብ ዘቃልዑ ነገራት ፋይናንሳዊ ፀገም ልዑል ብፅሒት ዝሓዘ’ዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ስደተኛታት ዘዕቖብሉ ጎረቤት ሃገር ምስ ዘሎ ምኽባር ናብራ ዝተኣሳሰር እዩ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ዝነብሩ ስደተኛታት ብሰንኪ ምኽባር ክራይ ገዛን ጠለባት ምግብን፡ መዓልታዊ ይኹን ወርሓዊ ወፃኢታቶም ምሽፋን ኣብዩዎም ከንፀርፅሩ ምርኣይ ዝተለመደ እዩ።
ካብ ከተማ ርሒቖም ኣብ መዓስከራት ዝቕመጡ ስደተኛታት ድማ ኣብ ሓደ መፅለሊ ቴንዳ ተኣጕዶም ዝነብሩ ብምዃኖም ንዝተፈላለዩ ናይ ጥዕና ፀገማት ዝተቓልዑ እዮም። ዝኾነ ሕማም እንተጋጥሞም ድማ “ብሰንኪ ሕፅረት ፋይናንስ ዋሕዲ ቀረብ መድሓኒትን ‘ግቡእ ሕክምና’ ኣይንረክብን” ይብሉ።
ካብዞም ናይዚ ፀገም ተኻፈልቲ ሓደ ዝኾነ ኣብ ኬንያ መዕቖቢ ስደተኛታት ‘ካኩማ’ ዝርከብ ያሲን መሓመድ ዝተብሃለ ትግራዋይ “ስደት ንኽመርፅ ዝተገደድኩሉ ምኽንያት ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽሮሜዳ ዝነበረ ዳ’ጥልፍን ባህለዊ ክዳውንትን ትካለይ፡ ብመንነተይ ምኽንያት ምስተዓሸገ፣ ማእሰርትን ምንግልታዕን ተጋሩ ምስሓየለን ዓይነይ ዓሚተ ስደት ወፂአ።
ናብ ስደት ከምርሕ ከለኹ ብዓልቲ ቤተይን ክልተ ደቀይን ሒዘ እየ ተበጊሰ።ኣብ ኬንያ በፂሐ ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ካኩማ ምስኣተኹ ግን ነገራት ፅቡቕ ኣይፀንሑናን። ካብ ዓደይ ክብገስ ከለኹ፡ ዝኮነ ስራሕ ክሰርሕ እየ ዝብል እምነት ሒዘ እየ ተላዒለ ነይረ። ኣብዚ ዓዲ ግን ኣይኮነን ስራሕ፡ ናይ ስራሕ ወረ እውን ኣይትሰምዕን ብፍላይ ድማ እንድሕር መበገሲ ዘይብልካ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ስለዚ ድማ ምስ ደቀይን ብዓልቲ ቤተይን ኣብ ዝሓመቀ ኹነታት ናብራ ወዲቕና ንርከብ። ኣብ ቀረባ እዋን ንባዕለይ ሓዊሱ ህፃውንቲ ደቀይን በዓልቲ ቤተይን ዓሶ ሓሚምና ሕክምና ንምርካብ ኣፀጋሚ ነይሩ።
ከም ወላዲ ሕስብ ክተብሎ እንከለኻ፡ ስኣን መሕከሚ ገንዘብ፡ ደቅኻ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሓሚመን ከም ምርኣይ ዘጉሂ የለን። ዘለናዮ ቦታ ኣዝዩ ሙቖት ዝዓብለሎ ብምዃኑ ንዓሶ ዝተቓልዐ ከባቢ እዩ። ብተደጋጋሚ ኢና ዓሶ ንሓምም ” ብምባል ነዚ ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ሕማምን ፋይናንሳዊ ፀገምን ብኣንደበቱ ኣምሪሩ ይገልፆ።

ከምኒ ዓለምለኻዊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (WFP) በቢእዋኑ ናብ ስደተኛታት ሓገዝ ምግቢ ዘቕርቡኳ እንትኾኑ ነገር ግን ኣብ መዓስከር ንስደተኛ ዝወሃብ ምግቢ ብዓይነትን ኣቀራርባን ፅሬቱ ዘይሓለወ ብምዃኑ ብፍላይ ኣብ ጥዕና ህፃናት ዘስዕቦ ሓደጋ ቀሊል ከምዘይኮነ ይገልፅ ያሲን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዩጋንዳ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ‘ናኪባሊ’ ዘፅለሉ ብዙሓት ተጋሩ ኣለው።
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ‘ጣዕሞ ነጋ’ ዝተብሃለት ጓል ኣንስተይቲ ብሕማም ኪንታሮት፣ ከምኡ ድማ ‘ብርሃነ ኣብርሃ’ ዝብሃል መንእሰይ ብሕማም ሽኮርያ ልዕሊ ዓቐን እናተሳቐዩ ይርከቡ። እዞም ሕማማት እዚኦም ክሓውዩ ዝኽእሉ ሕማማት ዋላኳ እንተኾኑ ነገር ግን እቲ ዝበልዕዎ ምግቢ ፅሬት ዘይብሉ ስለዝኾነ ንዕኡ ዘጋድድ እምበር ዘድሕን ከምዘይኮነ ይዛረቡ።
ናብ ሕክምና ከይከዱ ወይ ምግቢ ገዚኦም ከይበልዑ ድማ ገንዘብ ስለዘይብሎም ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዝርከቡን ማዕልቲ ካብ መዓልቲ እናብኣሶም ይኸይድ ምህላዎሙን ይገልፁ።
ንግልጋሎት ሕክምና ዝውዕል ካብ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ብርክት ዝበለ መድሓኒታት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝልኣኽን ይኹን እምበር ብዘይተፈለጠ ምኽንያት እቲ መድሓኒታት ኣብ መዓልኡ ከምዘይውዕልን ንብልሽውና ዝተቓልዐ ኣሰራርሓታት ከምዘሎን የረድኡ። ነዚ ድማ ዝምልከቶ ላዕለዋይ ኣካል በቢእዋኑ ኽከታተሎን ክግምግሞን ይግባእ ዝብል ለበዋ ኣመሓላሊፎም።

3. ትፅቢትን ክውንነትን፦
“ካብ ዓደይ ንስደት ከምርሕ ከለኹ ዝሓሸ ነገር ንምርካብ እዩ ነይሩ። ካብቲ ዘዕቖብኩሉ ዓዲ እውን ቀልጢፈ ንዓደይ ክምለስ ወይ ንደገ ናይ ምውፃእ መደብ እየ ሒዘ መፂአ ነይረ።ይኩን እምበር ኣብ ዓደይ ኮይነ ዝሓሰብክዎን ኣብዚ መፂኤ ዝረኸብክዎን ግን ሰማይን ምድርን እዩ ኾይኑኒ። ብፅባሕ ሎሚ እነሆ ሕዚ ሰለስተ ዓመተይ ኣሕሊፈ። ሓደ ሓደ እዋን ናይ ምንታይ እዩ እቲ ፀገም ክርዳኣኒ ኣይክእልን። ኣብ ዝኸድናዮ ቢሮታት ኩሉ ብግቡእ ኣይንትኣናገድን። ብዙሕ ምጉታት እዩ ዘጋጥመና ዘሎ።
ናይ ፅባሕ ህይወተይ፣መፃኢየ እንታይ ከምዝኾነ እውን ዳርጋ ኣይፈልጥን። ሕዚ ግን ንመናበሪ ኢለ ሻሂ ቡን ይሸይጥ ኣለኹ።” ትብል ሓንቲ ካብቶም ትፅቢትን ክውንነትን ዝተዛብዕዋ ኣብ ዩጋንዳ ካምፓላ ትርከብ ትግራወይቲ ፍዮሪ ደሳለ።
“እቲ ስደተኛ ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶም ከም UNHCR ዝበሉን ካልኦ ዓለም ለኻዊ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ብዝግባእ ክቕበልዎን ከተኣናግዱዎን ዝነበሮም ልዑል ትፅቢት በቲ ዝድለ ኣይኮነን።
ከም ተጋሩ እቲ ነሕልፎ ዘለና፡ ‘ስቓይ ዝተመልኦ ዓመታት’ ክሳብ ክንድዚ ክነውሕን ክመርርን ፈፂምና ኣይተፀበናዮን በዚ ድማ ተጋሩ ስምዒትና ተጎዲእና ኢና” እናበለት ትዛረብ ፍዮሪ ደሳለ።
መብዛሕትኡ ስደተኛ፡ ናይ ፅባሕ መዋፅኦን መዕለቢን ህይወቱ ታይ ክኸውን ከምዝኽእል ስለዘይፈልጥ ብዘይ ዕረፍቲ ዘጨንቖን ዘተሓሳስቦን ጉዳይ ኮይኑ’ሎ።

ብUNHCR ይኹን ብኻልኦት መዳርግቲ ትካላት(Partners) ዝግበሩ ደገፋት እውን ብመንፅር ዝወስዶ ግዘን ኣሳልጦን እንትርአ ዘዕግብ ከምዘይኮነ ኩሉ ስደተኛ ዝሰማመዐሉ ሓሳብ እዩ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት UNHCR ናይ ሚልዮናት ስደተኛታት ጉዳይ ዘተኣናግድ ዓቢዪ ትካል ብምዃኑ ጉዳያት ክምርምርን ክግምግምን ነዊሕ ግዘ ዝወስደሉ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፉ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ትካላት (Partners of UNHCR) ዝኾኑ ከም፣ ኣውሮፓ ህብረት(ECHO)፣ ትካላት መንግስቲ ኣሜሪካ (USAID)፣ መደብ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት(UNDP)፣ ኣህጉራዊ ትካል ስደት(IOM) ከምኡ ድማ
International Rescue Committee (IRC) ካልኦትን ዝኣመሰሉ ትካላት ድማ ንስደተኛታት ዝህብዎ ግልጋሎት ስሉጥን ፅፉፍን መስርሕ (system) ዘይተኸተለ ብምዃኑ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ዝተጓተተን ግልጋሎት ከምዝወሃቦምን ኣብ ገለ ወቕትታትውን ሓገዝ ከምዘይረኽቡ እቶም ስደተኛታት ይገልፁ።

4. ማሕበራ ተነፅሎ(social Isolation ) እቲ ስደተኛ ካብ ዝፈትዎ መሬት ዓዱ፣ወለዱ፣ደቁን ኣሕዋቱን ተፈልዩ ዝነብር ብምዃኑ ብናፍቖትን ሻቕሎትን እናተሓመሰ ዝነብር እዩ። ኣብ ስደት እናሃለወ፣ ብሰንኪ ኵናት ካብ ዓዱ መርድእ ኣሕዋቱን ወለዱን ዝሰምዐ ብዙሕ እዩ። ናይ ስደት ፀገሙ ከይኣኽሎ ተደራቢ ሓዘናት የተኣናግድ ኣሎ። ኣብ ዓዲ ስደት ኣጆኻ ኢሉ ዘፀናንዕ ሰብ ዘይብሉ፣ገዛ ዓፅዩ በይኑ ዝነብዕ ብዙሕ’ዩ።
እዚ ድማ ብስነልቦና ተሃስዩ፡ ዓርሱ ክፀልእን ፅምዋ (ብሕታውነት) ክስምዖን ይገብሮ ኣሎ።

5. ፀገም ምልከት ቋንቋን ስእነት ስራሕን፦
እቲ ስደተኛ ኣብቲ ዘዕቖበሉ ዓዲ ተንቀሳቒሱ ሰሪሑ ኸይበልዕ ስእነት ስራሕ ብሰፊሑ የጋጥሞ’ እዩ። ብፍላይ ምስ ፀገም ክእለት ቋንቋ እንግሊዘኛ ተኣሳሲሩ ውሑዳት ዘይበሃሉ ስደተኛታት ኣብቲ ዘለውዎ ቦታ ብቐሊሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ይፅገሙ እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ናብ UNHCR ኮነ ካልኦት ንስደተኛ ዝምልከቶም ቢሮታት ብኣካል ከይዶም ዝበፅሖም ፀገምን መከራን ብቋንቋ እንግሊዘኛ ብዝግባእ ኣብራህሪሆምን ኣረዲኦምን ጉዳዮም ከፈፅሙ ዘይምኽኣል ዕንቅፋታት ኣሎ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ዝበዝሕ ስደተኛ ትግራዋይ፡ኣብ መንእሰይ ብርኪ ዕድመ ዝርከብ ብምዃኑ መብዛሕትኡ ግዘ ካብዚ ጭንቀት ንምህዳም ክብል ኣብ ዘየድሊ መስተን መዐወኒ ወልፍታትን ተፀሚዱ ዝውዕል ዝሓድር ብዙሕ እዩ።

6. ስግኣት ፀጥታን ድሕንነትን፦
“ንሕና ጋዜጠኛታት ኢና።ፍሉይ ክትትልን ሓለዋን ክግበረልና ነይርዎ። ይኹን እምበር እቲ ዘጋጠመና ንምእማኑ ዘጸግም እዩ።ዓዲ ሰላም እዩ ኢልና ኣብ እንቀሳቀሰሉ እዋን ብከተርቲ እቶም ደቂ ዓዲ ንብረትና ተወሪርና ኣካልና ተሃሲና ኢና። እዚ ዜና እዚ ድማ በብመዓልቱ ምስማዕ ንቡር እዩ። ብዙሓት ህይወቶም ዝስእኑ ኣለው። ንብረት ዝውሰዶም እሞ መቁጸሪ የብሎሙን። ሰብ፡ ጸጥታን ድሕንነትን ደልዩ ተሰዲቱ፡ ክስእን ከሎ ድማ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ።” ይብሉ ኣብ ሃገረ ዩጋንዳ ከተማ ካምፓላ ተዓቝቦም ዝነበሩ፡ ደሓር ናብ ትግራይ ዝተመለሱ “ንድሕንነትና ክብሃል ስምና ይተዓቀበልና” ዝበሉ ክልተ ነባር ጋዜጠኛታት ትግራይ።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዘሎ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛ ትግራዋይ’ውን እንትኾነ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር በቢእዋኑ ብዝፍጠር ኵናት- ሕድሕድ ነቲ ስደተኛ ብቐጥታ ድሕንነቱ ዝፀልዎን ኣብ ሓደጋ ዘውድቖን እዩ።
ከምኡ ድማ ብሓደጋታት ባርዕ፣ ንፋስን ውሕጅን ተደጋጋሚ መፅለሊ ስደተኛታት ንሓደጋ ክቃላዕ ልሙድ ክስተት እዩ።
ብፍላይ ምስ ስግኣት ፀጥታ ተኣሳሲሩ፡ ጉዳዮም ተፀኒዑ ፍሉይ ከለላ (protection) ዘድልዮም፡ ማለት’ውን ኣብ ዓዶም እናሃለው ብዝነበሮም ልዑል ሞያዊ ስራሕን ሓላፍነትን ንሓደጋ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዓበይቲ ስደተኛታት፡ ቅልጡፍ ከለላ ብዘይምርካቦም ድሕንነቱ ኣብ ዘይተሓለወ ቦታ ነዊሕ ዓመታት ንኽነብሩ ይግደዱ ኣለው።
ብርክት ዝበለ ትግራዋይ ድሕንነቱ ንምውሓስ ኢሉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት እንትስደድ ኣብተን መዓስከራት ብዘለዉ፡ ኣብ ዓዱ እንከሎ ዝሃድንዎን ዝኣስርዎን ዝነበሩ ደሓር’ውን ንኽስደት ምኽንያት ብዝኾኑ ልኡኻት ፀላእቲ፡ ቀሊል ዘይበሃል ስግኣትን ምፍርራሕን ይበፅሖ እዩ።
ንኣብነት ካብ መዓስከር ሱዳን ንድሕንነቱ ክብል ስሙ ዘይገለፀልና ‘ሓደ ነባር ተጋዳላይ ኮሎኔል’፡ ከምዝስዕብ ይብል።
“ከምዝፍለጥ ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ዘለና ስደተኛታት ተጋሩ ምስ ደገፍቲ ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስደተኛታት ተሓዋዊስና ኣብ ሓደ መዓስከር ንነብር ብምህላውና ሕዚ ውን ግዜን ቦታን እንተረኺቦም፡ ፀላእቲ ብሰለልቶምን ተላኣኣኽቶምን ኣቢሎም ሓደጋ ከብፅሑልና እዮም ኢልና ኢና ንጭነቕ ብምባል ኣብቲ ስደተኛ ዘሎ ስግኣት ይገልፅ።
“በዚ ምኽንያት ከምድላይና ብናፅነት ክንቀሳቐስ ንግደብ ኢና ብምባል ዘለዎ ስግኣቱ የጠናኽር።
ነዚ አተሓሳሳቢ ጉዳይ ከም በዓል ትካል ቀይሕ መስቀል (IRC)፣ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት (UNHCR) ዝበሉ ትካል ስደተኛታትን ከምኡ ድማ ኣብ ዳያስፖራ ዘለው ውዳበታት ኮሚነቲ ትግራይን ብትኹረት ክከታተልዎን፣ልዑል ስግኣት ዘለዎም ሰባት ብፍሉይ ተፀኒዖም ቀልጢፎም ናብ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ቦታ ዝዘዋወርሉ ዕድል ንክመቻቸወሎም ድማ ለበዋ ኣቕሪቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ተመዛበልቲ ስደተኛታት ቀልጢፎም ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝምልከቶ ኣካል ብትኹረት ክሰርሕ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እቶም ስደተኛታት።

7. ባህሊ ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ፦
ስደት ንትግራዋይ ሓድሽ ምስቲ ምኳኑ ብዙሓት ተጋሩ ክደናገሩ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ሓደ ማሕበረሰብ ነውርን ንቡርን ዝፈልየሉ ናይ ባዕሉ ባህላዊ ክብርታት ኣለዎ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ነውሪ(ውጉዝ) ዝኾነ ኣብ ካልእ ሃገር ንቡር(ፍቑድ)ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ትግራይ መዐወኒ ወልፍታት ከምኒ ዕፀ ፋርስ፣ ሽሻ ሓሽሽን ካልኦትን ፍቑድ ኣይኮነን። ኣብዘን ጎረቤት ሃገራት ድማ ሰባት ብቅሉዕ ኾነ ብሕቡእ ብበዝሒ ክጥቀሙሉ ዳርጋ ልሙድ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ሓዱሽ ስደተኛ ትግራዋይ ኣብ ህይወቱ ዝፈጥረሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ቀሊል ኣይኮነን።

‘ከም መፍትሒ ዝተቐመጡ መበገሲ ሓሳባት’

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ፀገማት ብዝግባእ ተገንዚብካ፡ ዝሓሸ ለውጢ ንምፍጣርን ፍታሕ ንምቕማጥን ጥጡሕ ባይታ ምህናፅን ምትዕርራይን የድሊ።
ኣብ ባህሊ ዝተጠቐሱ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ነገራት፡ ናብ ኣዎንታ ንምቕያር ኣብ በቢዘለናሉ ኮይንና ናይታ ሃገር ባህላዊ ዓውደ መፅናዕታት ብምድላውን ኣብ ናይ ሓባር ውህደት ፍፃመታት ብምፅንባርን ንኽንድግፍ ከምኡ እውን ንቕሓትን ክእለትን ቋንቋ ንምዕባይ፡ ቋንቋ እንግሊዘኛ ብምምሃር፡ ናይ ትርጉም ሓገዛት ብምሃብ፣ ንልውውጥ ቋንቋታት ሽርክነት(partnership)ብምፍጣር ነዚ ሓጓፍ ንምምላእ ተግባራዊ ርብርብ የድሊ።
ኣብቲ ስደተኛ ዝፍጠር ዘሎ ጭንቀት፡ ዘይተደለየ ፀቕጥን ሕሉፍ በሰላን ንምሕዋይ ድማ ምስ በዓል ሞያ ቴራፒ ይኹን ስነልቦና ብምዝርራብ ፍታሕ ምምፃእ ይከኣል።

ኣብ ፀጥታን ደሕንነትን ዝተልዓለ ስግኣት እውን እንትኾነ ካብ ዕግርግር ዝበዝሖ ቦታ ዓርስኻ ብምርሓቕ ነቲ ስግኣት ምንካይ ዝከካኣል ኮይኑ ተደጋጋሚ ኣስጋኢ ኹነታት እንተጋጥም ድማ ብግዜ ንዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ብምፍላጥ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክግበረሉ ክኽእል ኣለዎ።

ኣብዚ ህልዊ ኩነታት፡ ንኹሉ ስደተኛ ከም ሓደ መሰረታዊ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ሕፅረት ፋይናንስ ድማ፡ ነኒባዕልኻ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ብምዕባይን ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ክቃለል ዝኽእል እዩ።
ከምኡ ድማ እቶም ኣብ ፎቖዶ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝጥቅዑ ዘለው ወገናት’ውን ቀልጢፎም ሕክምና ንክረኽቡ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ።

ነዚ ንምዕዋት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለው ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን፡ ስደተኛታት ወገናትና የሕልፍዎ ንዘለው መሪርን ነዊሕን ስቓይ፣ ተገንዚቦም፡ ሓላፍነት ዝተመልኦ ሰብኣውን ሞራላዊን ግቡኦም ንምፍፃም ዝከኣሎም እጃም ከበርክቱ ፃውዒት ነቕርብ።

Omna Tigray External Contributor, December 2024

Share