ሽምና ካብ’ዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ፣ ኣብ ድሕንነትን ሰብኣዊ መሰላትን ትግራይ ኣድሂብና እንሰርሕማሕበራት፣ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ይርዐ ንዘሎ ምዕባለታት ኣመልኪትና እዚ ዝስዕብ ናይሓባር መግለፂ አውፂእና ኣለና

ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኵነታት ፖለቲካ ትግራይ እናተመሓየሸ ዘይኰነስ፤ እናተጋደደ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፈአ፣ ክለዋወጥ ይርአ ኣሎ። እዚ ድማ ንዅሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ትግራዋይ ዘሻቕልን ዘተሓሳስብን ጕዳይ ኰይኑ ይርከብ። ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋናት ንነዘ፣ ብጕጅለን ብኸባቢን እናተኸፋፈልካ ነንባዕልኻ ናብ ምንቛር ዝወስድ ምልክታት ብሰፊሑ ይርአ ኣሎ። እዚ ኣካይዳ ንትግራይ ኵለመዳያዊ ዓቕማ ዘዳኽምን ክትወፆ ናብ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ዘእትውን ብምዃኑ፤ ማሕበረ ሰብና ተረጋጊዑ፤ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልዉላው ብስምዒት ዘይኰነስ ስኽን ኢሉ ከስተውዕሎን መትከላዊ ሓድነት ፈጢሩ ዘላቂ ሰላምን ምርግጋዕን ንኽመፅእ እጃሙ ኸበርክት ንላቦ።

ኵሎም ኣብ ትግራይ ዝነጥፉ ፖለቲካዊ ውዳበታት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ፣ ብፍላይ ኣመራርሓ ህወሓትን ጊዝያዊ ምምሕዳርንድማ ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሂቦም ንኽሰርሑን፤ ዘለዉ ኣፈላላያት ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ብዘየጓድልመልክዑ ዝፍተሕሎም መዳያት ብህፁፅ ከናድዩ ኣትሪርና ንፅውዕ። ትግራይ ኣብ’ዚ ሕዚ ሰዓት ሕውየትን ሰላምን እምበር ኲናትንወረ ኲናትን ኣየድልያን።

ብሚልዮናት ዝቁፀር ህዝብና ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ንዓመታት ኣብ ኬንዳታት፣ መዓስከራት ሱዳንን ካልኦት ከባብታትንብሕማምን ጥምየትን ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ንኽምለስ ዘኽእል ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ብትኹረት ክስርሓሉ ይግባእ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዘሎ ህዝብናን ግዝኣታዊ መሬትናን ንኽምለስ፤ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ኢሮብንካልኦት ተዋሰንቲ ከባብታት ትግራይ ዝነብር ህዝቢ ሕፁፅ ቆላሕታ ንኽግበረሉ ንፅውዕ። ኣብ ፅንተት መንነት (Genocide)ትግራይ፣ ዝበፅሐ ኵሉ ዓይነት ዕንወት ገና ከይሓወየ፤ ዝተፈፀመ ጠቕላላ ግፍዕን በደልን እዚ ዝብሃል ፍትሒ ከይረኸበንተሓታትነት ገና ከይተረጋገፀን ህዝቢ ናብ ካልኣይ ዙር ህልቂት ኵናት ምእታው ህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይፃወሮን እዩ። ስለ’ዚ መራሕቲ፣ ካብ ፖለቲካዊ ዘይምቅዳውን ምትፍናን ወፅዮም፤ ኣብ ረብሓ፣ ህልውናን ድሕንነትን ትግራይ ብሓድነት ክሰርሑንነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ብሰላማዊ ልዝብ ክኣልዮን ፤ በዚ ኣቢሎም ድማ ንህዝቢ ካብ’ቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኵናትናይምድሓን ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ክፍፅሙ ኣትሪርና ንፅውዕ።

ሰላምን ራህዋን ንህዝብና!

ሽም ዝርዝር ፈረምቲ ማሕበራት

  1. Irob Anina Civil Society
  2. Omna Tigray
  3. Security and Justice for Tigrayans (SJT)
  4. Tigray Youth Network (TYN)
  5. Umbrella For The Needy
  6. Australia Tigray Alliance
  7. Yikhono: A Movement to End Gender-based Violence
  8. Manitoba Tegaru Youth Network
  9. Voice for Democracy and Social Justice
  10. Giving Back to Our Roots
  11. Security and Justice for Tigrayans Canada (SJTC)
  12. Tigrayan Association in North Italy (ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኢጣልያ)
  13. Vereniging van Ethiopische Tigreërs in Nederland
  14. Vereniging Tigrai Development Association in Nederland (TDA NL)
  15. Dekna Foundation
  16. Vereniging Van Tigray Nederland
  17. Tigrayan Women Association in Netherlands
  18. The Union of Tigreans in Belgium (UTB)
  19. Tri-State Tegaru

Omna TigrayPress Release, April 12, 2025

 

Share