Three-Day Mourning Period
On the occasion of the three-day mourning period in Tigray, we honor the Tigrayans who, as martyrs, made the ultimate sacrifice during the genocidal war against Tigray. The pages of history are adorned with stories of unimaginable courage and unwavering determination, where Tigrayans stood together against evil.
The magnitude of this sacrifice is immeasurable, etched not just into the chronicles of Tigrayan history but seared into the collective memory of generations. Grief is known to every Tigrayan; this generational trauma and perpetual sorrow is the burden we carry. The sacrifices of our ancestors, who too endured pain and hardship, continue to shape the destiny of a resilient people.
Our martyrs, whether in the mountains, on the front lines, or in the towns and villages, exemplified the invincible Tigrayan spirit, showing that even in the face of adversity, the significance of never giving up.
As we honor these heroes, we also acknowledge the heavy price paid by their families, friends, and the entire Tigrayan community. We recognize that the wounds are not only physical but deeply emotional and psychological, leaving scars that may take generations to heal.
The memory of our martyrs is a constant reminder that we must never waver in our pursuit of justice and self-determination. Their legacy is a guiding light in the darkest of times, a testament to the unbreakable spirit of the Tigrayan people, who, despite all odds, continue to stand as a symbol of resistance, courage, and hope.
ልፍንታውያን ሓይልታት ህልቂት ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ-ምድሪ ንኸፅንቱ ዝኣወጅዎ ደማዊ ኩናት ንምምካት ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ደቂ ህዝቢ ንምዝካር ካብ ብቕድሚ ትማሊ ዕለት 3 ጥቀምቲ 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝተኣወጀ ብሄራዊ ሓዘን ፣መርድእን ዝኽርን ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ እንትነብዕል ኣብቲ ኣንፃር ምፅናት ዓሌት ትግራይ ዝተገበረ ቃልሲ ነታ እንኮ ሂወቶም ሰዊኦም ናብዚ ዘብፅሑና ጀጋኑ ዘለና ዓብይ ናእዳን ኽብርን እንዳገለፅና እዩ። ተጋሩ ኣንፃር ሓይልታት ፅንተት ብሕብረት ብምምካት ንኽትሓስቦም ዝኸብዱ ማሕለኻኻታት በዲሆም ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ክትሓስቦ ብዘፅግም ዓይነት ትብዓትን ዘይነነቕ ቆራፅነትን ኣማዕሪጎምዎ ኣለው።
ዕምቆት እዚ መስዋእቲ እዚ ኣብ ታሪኽ መዋእል ትግራይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ሓባር ተዘክሮ ወለዶታት ዝነበረ እዩ። ሓዘን ንተጋሩ ሓዱሽ ኣይኮነን፤ እዚ ቀፃሊ ሓዘንን በሰላን ከዓ ንዘልኣለም ከም ተጋሩ ንሕና ንፀሮ ፆር እዩ። እቶም ብዙሕ ስቓይን ፀገምን ዘሕለፉቀዳሞት ወለድና ዝገበርዎ መስዋእቲ፤ መፃኢ ዕድል ፀዋር ህዘቢ እናቀረፀ ክቕፅል እዩ።
ሰማእታትና ኣብ ጎቦታት ይኹን ኣብ ግንባር፣ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ነቲ ዘይስዓር ትግራዋይ መንፈስ ኣብነት ኮይኖም ኣብ እዋን ፀገምን ፀበባን ተስፋ ብዘይምቑራፅ መንፈሳዊ ጥንካረ ኣርእዮም እዮም።
ነዞም ጀጋኑ እዚኦም ኽነኽብር እንተለና ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ብሓፈሻ መላእ ማሕበረሰብ ትግራይ ዝኸፈልዎ ረዚን ዋጋ እውን ኣፍልጦ እናሃብና እዩ። እቲ ቁስሊ ኣካላዊ ጥራሕ ዘይኰነስ ስምዒታውን ስነ ልቦናውን ከምኡ’ውን ንኽድሕን ዘመናት ዝወስድ በሰላ ከምዝገድፍ ንርዳእ ኢና።
ዝኽሪ ሰማእታትና ፡ ፍትሒ ካብ ምንጋስን ዓርሰ ውሳነ ካብ ምርግጋፅን ድሕር ክንብል ከም ዘይብልና ወትሩ ዘዘኻኽር እዩ። ሕድሮም ኣብ ፀልማት እዋን መሪሕ ብርሃን፣ መርኣያ ናይቲ ዘይብተኽ መንፈስ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ሕድሮም ኣብ እዋን ፈተናን ፀገምን ፀዋርነት፣ ትብዓትን፣ ተስፋን ኣምሂሩና ሓሊፉ እዩ። እዚ ኸዓ መግለፂ ትግራዋይነት እዩ።
Signed,
Omna Tigray
Omna Tigray – Press Release, October 16, 2023